Back to table of content

ስለ ምንታይ ኣብ ሓደ መወከሲ-መጽሓፍ ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ተገዳስነት ገይርካ? ምናልባትዶ ገለ ነገር ክትገብር ስለ ዝደለኻ ትኸውን? ወይ ገለ ነገር ንኸይከውን ደው ከተብሎ ደሊኻ ትኸውን? ምናልባት’ውን ብመንጽር ማሕበራዊ ለውጢ ጎነጻዊ ንዝገደደ ምስሕሓብ ዝፈጥርን ኣብ መወዳእታ’ውን ፍረ ዘይብሉ ከም ዝኾነ ርግጽኛ ምዃንካን እዚ ድማ ብዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ክትካእ ከም ዝኽእል ዝብል ስምዒት ፈጢሩልካ ይኸውን። ምናልባት’ውን ገለ ሓዲሽ ነገር ንምፍታን ወይ ነቲ ጉጅለኹም ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ምውዳብ ተግባራዊ ስርሓትን ጎስጓስን ንምምሕያሽ ሓደሽቲ ሞቕሽሻት ንምርካብ ደሊኻ ይኸውን። ኣብዚ መወከሲ-መጽሓፍ እቲ መሰረታዊ ናይ ስራሕ መግለጺ ንዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣብ ድሌት ምብቃዕ ጎነጽ ዝተሞርኮሰ እዩ። ቀጻሊ ጎነጽ ከይተፈጸመ ናይ ኣካላዊ ጎነጽ፡ ወይ ድማ ቅርጻዊ ጎነጽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ምሕራም፡ ማሕበራዊ ተነጽሎን ጸቕጥን) ክኸውን ይኽእል። እዚ ንጹር መግለጺ ኣይኮነን፡ ካልኦት ዝያዳ ውርጹጻት፡ ዝያዳ ፍልስፍናዊ ዝያዳ ብግዜ ዉሱንነት (ንኣብነት ኣብ ገለ ግዜን ቦታን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ) ምስ ውልቂ፡ ዝያዳ ግጥማዊ (ስነ-ጽሑፋዊ) ኣቀራርባ ዘለዎም መግለጽታት ኣለዉ። ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ካብዚ መሰረታዊ መግለጺ ንላዕሊ ከመልክት ይኽእል። ድሌት ናይ ምቅይያር ስልጣን ዝምድናታት፡ ማሕበራዊ ቅርጽታት፡ ጠመተ ኣብ ልዕሊ ምኽባር ንኹሎም ሰብኣዊነት ወይ ሂወት፡ ወይ’ውን ናይ ሂወት ፍልስፍና ወይ ክልሰ ሓሳብ ማሕበራዊ ተግባር የጠቓልል። ነዚኦም ንኽትድህስሱ ነተባብዕ። ኣብ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ፍልልያትን ኣራዳድኣኻ ብኣተኩሮ ምክፋልን ምልላይን፡ ብመንጽር ሓደ ብሓባር ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ክገብር ዝዳሎ ዘሎ ጉጅለ ሃብታም ተሞኩሮ ክኸውን ይኽእል። ብተፈላለየ ምኽንያታት ሰባት ንዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ይርዕምዎ። ገለ ከም ብቑዕ ተክኒክ ንዘድሊ ማሕበራዊ ለውጢ ስለዝርእይዎ ይጣበቕሉ፡ ካልኦት ድማ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ከም መምርሒ ሂወቶም ገይሮም ዝሰርሑሉ ኣለዉ። ኣብዚ ሓደ ብዙሓት ኣብ መንጎ ዝኾኑሉ ዝርጋሐ ኣሎ። ከም’ዚ ዓይነት ፍልልያት ኣብ ግዜ ጎስጓሳት ክራኣዩ ይኽእሉ። ነገር ግን ነዞም ፍልልያት ብመትከላዊ መግለጺ ወይ ንዝተወሰነ ጎስጓስ ንምክያድ ዝተዳለወ መምርሕታት ብምጥቃም ምምዕርራይ ይካኣል። ንዝበለጸ ሓበሬታ ናብ (መትከላት ዘይጎነጻዊ ተግባራትን ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ መምርሕታትን ኣብ ምዕራፍ ሓምሽተ ተመልከት)። ኣብ ግዜ ጎስጓስ ገለ ፍልልይት ናይ ኣራዳድኣ፡ መበገሲ ምፍሕፋሕ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፡ ግሉጽነት ክህሉ ይግባእ። ንኣብነት ገለ ኣባላት ሜላታት ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት ብምጥቃም ንጎነጽ ምግጣምን ምስዓርን ዝብል ክትዕ ክህልዎም ይኽእል። ገለ ድማ እቲ ቀንዲ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣተሓሳስባ ነቶም ኣብ ሰብ ነገርካ ዘለዉ ወገናት ብምሕዋስ ፍታሕ ምድላይ ኢሎም ይከራኸሩ። ፍልልይ ኣብ ዝራኣየሉ ግዜ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ጎስጎስቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ መሰረታዊ ኣረዳድኣ ፍልልያት ዝካትዑ፡ ነቲ ጎስጓስ ክትንክፎ ኣብ ዝኽእሉ ነጥብታት ብምልዓል ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ይግባእ። እዚ ፍሉይ ኣብነት ፍልልይ (ናይ ምዕዋት ምድላይን ንኹሉ ዝሓቖፈ ፍታሕ ምድላይን) ነቶም ኣብ ናይ ጎስጓስ ምድላው ዝሰርሑ፡ ኣብ ጠለባትን ናይ ዘተ እስትራተጂን ክጸልዎም ይኽእል’ዩ። ኣብ ልዕሊ ንብረት ክወርድ ዝኽእል ዕንወት ኣካታዒ ሕቶ ክኸውን ይኽእል። ገለ ተሓለቕቲ ኣንጻር ምዕናው ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ንብረት ምዕናው ከቢድ ኪሳራ ስለዝኾነ ሓያል ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ተጻባእቲ’ዩ ይብሉ። ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ‘ጎስጓስ’ ወይ ናይ ‘ግብራዊ ስርሓት’ መምርሒ ከነቕርብ ኢና። እቲ ምርድዳእ ክሳብ እቲ ግብራዊ ስርሓት ዝካየደሉ እዋን ክድንጕ የብሉን። ንገለ ሰባት ዘይጎነጻዊ ተግባር ማለት ንተጻባእትኻ ተጻራሪ ጠባያት ምውጋድ፡ ምናልባት’ውን ጽቡቕ ንኹሉ ኮንካ ምርኣይ ክኽውን ከሎ፡ ገለ ድማ ንተጻባእቶም ‘ምሕፋር’ ወይ ከም ናይ ‘ኲናት ገበነኛታት ምቑጻር’፡ ወይ ‘ቀጥቀጥቲ’፡ ‘ዓሌታውያን፡ ወይ ‘ብልሽዋት’፡ ገይሮም ይምድብዎም። ዓው ኢልካ ኣስማት ምጽዋዕ ወይ ናይ ጽልኢ ቃላት ምጥቃም ዝምልከት ኣብቲ መምሪሒታት ክጣቓለል ይኽእል’ዩ። ነቲ መሰረታዊ ፍልልይን ክኸውን ዝኽእል ሓድነት ናይ ኣጠማምታን በቶም ኣብ ክፍሊ ናይ ምድላዋት ንዘይጎነጻዊ ተግባር ተገሊጾም ዘለዉ መቕርብ ጉጅለ ዝባሃሉ ብዝያዳ ሰፊሕን ዓሚቑን ምርድዳእ ክመያየጥሉ ይኽእሉ።

(‘ናይ መቕርብ ጉጅለታት’ ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተ ተመልከት) ዕላማ ናይ ጉጅለታት ሓደ ‘ነጻ መድረኽ’ ፈጢርካ ነቲ ኣብ መንጎኦም ክህሉ ዝኽእል ምጥርጣራት ጋህዲ ንምውጻእን ነንሕድሕዶም’ውን ሓባራዊ ምምህሃርን ክኸውን ይግባእ። እቶም ናይ መቕርብ ኣባላት ጉጅለ ሓደ ምስ ዘይጎነጻዊ ተግባራት ዝተኣሳሰረ ሓረግ ክህልዎም ወይ ክጥቀሙ ይኽእሉ። ከምኒ “ኣብ ቅድሚ ሰብ-ስልጣን ሓቂ ምዝራብ’’፡ ነብስወከፎም እንታይ ማለት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣየኖት ጉዳያት ከም ዘልዕሉ፡ ፍልጠትካ ብሓባር ናይ ምክፋልን ኣታሓሳስባኻ ምስፋሕን ብሓባር ንምስራሕ ምፍታንን ክኸውን ይኽእል። ተሓለቕቲ ሓባራዊ ኣራእያ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ምህላው፡ መግለጺ ነቲ ንመጻኢ ክንሃነጾ ንፍትን ዘለና ክኸውን የድሊ። እዚ ምስ’ቲ ሞሃንዳስ ጋንዲ ‘ሃናጺ መደብ” ክጣቓለል ይኽእል። (ሃናጺ መደባት ተመልከት)። ከም’ውን ሓሳባት ንሕና/ምንቅስቃስ “ከም ናይ ሰላም” እቲ ባህርያትና ነቲ ክንፈጥሮ እንደልዮ ዓለም ከንጸባርቕ ኣለዎ። “ኣብ ቅድሚ ሰብ-ስልጣናት ሓቂ ምዝራብ” “ ክብሪ ሂወት” ወይ ኣብ ኣኽብሮት ብዙሕነት” ዝብሉ ሓረጋት ክንጥቀም ከለና፡ መሰረታውያን ክብርታት ኢና ነልዕል ዘለና። እሳቶም ምንጪ ናይ ሓይልናን መበገሲ ነቶም ክንበጽሖም እንደሊ ወገናትን እዮም።

Related content